ምዝገባ ናይ 21 ሚያዝያ ኣብ ኡትረኽት

ቦታ in Utrecht.።

ምስ ፎርም ምዝገባ ኣተሓሕዞ

ብሓሙስ 21 ሚያዝያ (April) ሰዓት 13:00 uur ናብ de Voorkamer Kanaalstraat 225, 3531 CJ Utrecht ምጹ።

ደሞዝ ተኽፊልካን  ብናትካ  ቛንቛ ሓገዝ ትረክበሉ ስራሕ ትደሊ ዲኻ? ወይ’ካ፣ ነዘርላንድስ  ቋንቋ  ክትመሃር ትደሊ ዲኻ ?

እዚ ይከኣል እዩ!

ሓደሽቲ መጻእቲ ዲኹም?

ነዘርላንድስ  ቋንቋ  አፍልጦ የብልካን’ዶ? ብደሞዝ ተኽፊልካ  ስራሕ ድማ ትደሊ ዲኻ?

ብሓሙስ 21 ሚያዝያ (April) ሰዓት XXX ናብ de Voorkamer Kanaalstraat 225, 3531 CJ Utrecht ምጹ።

ኣብ ነዘርላንድ ንኽትሰርሑ ዘዳልዉኹም ብዙሓት ማሕበራት ዓለዋ።

ንኣብነት፡

ኣብ ኔዘርላንድስ ብዶሞዝ ተቘጺርካ ንኽትሰርሕ ዘሎ ዝበለጸ ዕድል ናይ ናጻ ቤት-ዕዮ (ወርክ ሾፕ) ኣስተምሕሮ ክዋሓበኩም እዩ ። ኣብ ናይ ሰራሕ ንምርካብ ዘሎ ዓቢ ዕድል ሓበርታ ክዋሃበኩም እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ዝሰርሑን ናይ ስራሕ ቶሞክሮ ዘለዎም ደቅ ሃገርካ ክትረክብን ስራሕ ንኽትጅምር ዘሎ ዕድልን ምኽሪን ሓሳብን ብናትካ ቛንቛ ብምሓብ ዝመርሑካ ኣስራሕቲ “ውን ኣለዉ ።
ንሕና ቛንቛታት ከም ፡ ዓረብኛ ፡ ትግርኛ ፡ እንግሊዝኛን ኔዘርላንድ ንዛረብ ኢና።
ካልእ ቋንቋ ትዛረቡ’ዶ? በሉ ሓብሩና ኢኹም።

ብዛዕባ ብደሞዝ ተኽፈልካ ትሰርሓሉ መስርሕ ሓበሬታ ክትፈልጥ ትደልዩ’ዶ?
ሕጂ ን50 ሰባት ጥራይ ቦታ ንኽሳተፉ እዩ ዘሎ እሞ ቀልጢፍኩም ተመዝገቡ ።

ቅጥዕታት ፎርም ብ4 ቋንቋታት ምልክት ዝምላ:

ምስ ፎርም ምዝገባ ኣተሓሕዞ

Adres:

De Voorkamer
Kanaalstraat 225, 3531 CJ Utrecht
ሕቶታት ኣለኹም’ዶ? ብኽብረትኩም ብቁጽሪ ቴለፎን ወይ ኸ’ዓ ኢሜል ኣድራሻ welkom@futurework.nl ርኽቡና።
ብ21 ሚያዝያ ክንረኽበኩም ብሃንቀውታ ንጽበ ።.

 

ናትና ተልእኾና

ናትና ተልእኾና ዝዀነ ይኹን ሰብ ብቛንቋን ባህልን ኣብቲ ሕብረተሰብ ኔደርላንድ ንኸይሳተፍ ከም ዕንቅፋት ንኬይኸውን እዩ ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኔደርላንድ ሓደስቲ መጻእቲ ንሕግዝ ኢና ። ብሓባር ምስ ምምሕዳራትን ትካላትን ንራኸብ ኢና። እዘን ኩባንያታትን ትካላትን እዚኣተን ድራኸ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ይደልያ ኣለዋ ። ምስ ናትና ፊቸወርክ (Futurework) ባህልን ቛንቋን ክኢላታትና ብሓባር ኴንና ፡ ኣብቲ እትሰርሑሉ ቦታ ብግብራዊ ናይ ቛንቋ ትምህርቲን ስልጠናን እናሃብናኹም ክንመርሓኹም ኢና። ነዚ ድማ ብናትኹም ቛንቛ ፡ ኣብ ትካል ስራሕ ቦታ ወይ ብመንገዲ ኣፕ ንተግብሮ ኢና።

ብዛዕባ ናትና ፊቸወርክ (Futurework) ባህልን ቛንቋን ክኢላታትና፡ ኣብ ናትና ስራሕ ኣቀራርባና ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ወይ ተራ ይጻወቱ። እዚኦም ሞያውያን ክኢላታት ከማኹም ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኮይኖም ሕጂ ከም ኣስተርጓምቲ ሰራሕተኛታት ዝሰልጠኑ እዮም ። ንገዛእ-ርእስኹም ኣብ ሕሉፍ ታሪኽኩምን ድሕረ-ባይታኹምን ካብ ካልኦት ከም’ዘይትፍለዮ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ።ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ካልኦት ነበርቲ ሰባት ክትምርኰስ እንታይ ስምዒት ከም ዝስምዓኩም ዝፈልጡ ሞያውያን ክኢላታት እዮም ። ናይ ፊቸወርክ (Futurework) ባህልን ቛንቋን ሞያውያን ክኢላታትና ንሓደሽቲ መጻእቲ ነበርቲ ኣብ ኔደርላንድ ሕብረተሰብ ዝያዳ ንኺምዕብሉን ንኺሳተፉን ይሕግዙ ፡ ናይ መጻኢ ድልድል ወይ ቢንቶ ማለት ይካእል ።

ንክኢላታትና ባህልን ቛንቋን ንኹሉ ሕቶታትኹም ብመንገዲ ፊቸርዎርክ(Futurework) ስልኪ ኣፕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ። ማለት ከም ኣብ ባይታ ስራሕ ከምዘለኹም ክትሓስቡ ትኽእሉ። በዚ ከምዚ ቀልጢፍኹም ነቲ ስራሕ ከተተግብሮን ትኽእሉ። ብተወሳኺ፡ሰዓታት ስራሕ ብቐሊሉ ብመንገዲ ኣፕ ክምዝገብ ይካእል እዩ።

ርክብ ሓበሬታ

ብዛዕባ ፊቸወርክ (Futurework) ዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ’ዶ? ጽቡቕ ስራሕ ዲኹም ትደሊው        ዘለኹም? ንስኻን ካልኦትን ስራሕ ምእንቲ ኽትረኽቡ ፡ብ’ስራሕ ኣቀራርባና ዓጊብኩም’ዶ ኣለኹም ? ዝርዝር ሓበሬታኹም ኣብዚ ሕደጎ ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ክንረኽበኹም ኢና ። ንሓደ ናይ ባህልን ቛንቋን ሞያውያን ክኢላታትና ብቐጥታ ኸተዘራርቦ ትደሊ ዲኹም? ኣብ ቁጽሪ ስልኪ 088 – 255 52 97 ክትረኽቡና ይካእል።