FutureWork

ዝሰርሕ ፡ ንዅላትና ስለ ስለዘረዳዳእ እዩ ።

ምስ ፎርም ምዝገባ ኣተሓሕዞ

ብዛዕ ባና

ፊቸወርክ (Futurework) ንሓደሽቲ መጻእቲ ፍሉይ ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፍት ትካል እዩ ።

 

 

መግለጺ መብርሂ ናይ ስራሕ ቆጸሪ

ናይ ስራሕ ቆጸሪ ትካል ኣብ መንጎ እቶም ስራሕ ንዝደልዩ ሰባትን ምስ ሰራሕተኛታት ንዝደልዩ ትካልትን ኩባንያታትን ዘሎ ሞንጎኝነት ንከራኽቡ ዝሰርሕ ኤጀንሲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ፊቸወርክ (Futurework)፡ናይ ስራሕ ቆጸሪ ትካል ፡ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዘኻ ።

ናትና ተልእኾና

ናትና ተልእኾና ዝዀነ ይኹን ሰብ ብቛንቋን ባህልን ኣብቲ ሕብረተሰብ ኔደርላንድ ንኸይሳተፍ ከም ዕንቅፋት ንኬይኸውን እዩ ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ኔደርላንድ ሓደስቲ መጻእቲ ንሕግዝ ኢና ። ብሓባር ምስ ምምሕዳራትን ትካላትን ንራኸብ ኢና። እዘን ኩባንያታትን ትካላትን እዚኣተን ድራኸ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ይደልያ ኣለዋ ። ምስ ናትና ፊቸወርክ (Futurework) ባህልን ቛንቋን ክኢላታትና ብሓባር ኴንና ፡ ኣብቲ እትሰርሑሉ ቦታ ብግብራዊ ናይ ቛንቋ ትምህርቲን ስልጠናን እናሃብናኹም ክንመርሓኹም ኢና። ነዚ ድማ ብናትኹም ቛንቛ ፡ ኣብ ትካል ስራሕ ቦታ ወይ ብመንገዲ ኣፕ ንተግብሮ ኢና።

ብዛዕባ ናትና ፊቸወርክ (Futurework) ባህልን ቛንቋን ክኢላታትና፡ ኣብ ናትና ስራሕ ኣቀራርባና ኣዝዩ ኣገዳሲ ግደ ወይ ተራ ይጻወቱ። እዚኦም ሞያውያን ክኢላታት ከማኹም ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኮይኖም ሕጂ ከም ኣስተርጓምቲ ሰራሕተኛታት ዝሰልጠኑ እዮም ። ንገዛእ-ርእስኹም ኣብ ሕሉፍ ታሪኽኩምን ድሕረ-ባይታኹምን ካብ ካልኦት ከም’ዘይትፍለዮ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ።ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ካልኦት ነበርቲ ሰባት ክትምርኰስ እንታይ ስምዒት ከም ዝስምዓኩም ዝፈልጡ ሞያውያን ክኢላታት እዮም ። ናይ ፊቸወርክ (Futurework) ባህልን ቛንቋን ሞያውያን ክኢላታትና ንሓደሽቲ መጻእቲ ነበርቲ ኣብ ኔደርላንድ ሕብረተሰብ ዝያዳ ንኺምዕብሉን ንኺሳተፉን ይሕግዙ ፡ ናይ መጻኢ ድልድል ወይ ቢንቶ ማለት ይካእል ።

ንክኢላታትና ባህልን ቛንቋን ንኹሉ ሕቶታትኹም ብመንገዲ ፊቸርዎርክ(Futurework) ስልኪ ኣፕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ። ማለት ከም ኣብ ባይታ ስራሕ ከምዘለኹም ክትሓስቡ ትኽእሉ። በዚ ከምዚ ቀልጢፍኹም ነቲ ስራሕ ከተተግብሮን ትኽእሉ። ብተወሳኺ፡ሰዓታት ስራሕ ብቐሊሉ ብመንገዲ ኣፕ ክምዝገብ ይካእል እዩ።

ርክብ ሓበሬታ

ብዛዕባ ፊቸወርክ (Futurework) ዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊ’ዶ? ጽቡቕ ስራሕ ዲኹም ትደሊው        ዘለኹም? ንስኻን ካልኦትን ስራሕ ምእንቲ ኽትረኽቡ ፡ብ’ስራሕ ኣቀራርባና ዓጊብኩም’ዶ ኣለኹም ? ዝርዝር ሓበሬታኹም ኣብዚ ሕደጎ ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ክንረኽበኹም ኢና ። ንሓደ ናይ ባህልን ቛንቋን ሞያውያን ክኢላታትና ብቐጥታ ኸተዘራርቦ ትደሊ ዲኹም? ኣብ ቁጽሪ ስልኪ 088 – 255 52 97 ክትረኽቡና ይካእል።

  • This field is for validation purposes and should be left unchanged.